27 ሰነ–3 ሓምለ
መዝሙር 52-59
መዝሙር 38ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ”፦ (10 ደቒቕ)
መዝ 55:2, 4, 5, 16-18—ዳዊት ኣብ ህይወቱ ኸቢድ ጭንቀት ዘሕለፈሉ እዋን ነይሩ እዩ (w06 1/6 11 ¶4፣ w96 1/4 27 ¶2)
መዝ 55:12-14—ዳዊት ብወዱን በቲ ዝኣምኖ ዓርኩን ውዲት ተኣልመሉ (w96 1/4 29-30 ¶6)
መዝ 55:22—ዳዊት፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዞ ብምትእምማን ገለጸ (w06 1/6 11 ¶5፣ w99 15/3 22-23)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
መዝ 56:8—ዳዊት፡ “ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣክቦ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (w09 1/6 29 ¶1፣ w08 1/10 26 ¶3)
መዝ 59:1, 2—ተመክሮ ዳዊት ብዛዕባ ጸሎት እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (w08 15/3 14 ¶13)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) መዝ 52:1–53:6
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ሓንቲ ኻብ ትራክትታት ኣበርክት። ነቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ዘሎ ኮድ ድማ ኣርእዮ።
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ንሓደ ትራክት እተቐበለ ሰብ፡ ብኸመይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከም ዚግበረሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) fg ትምህርቲ 3 ¶2-3—ነታ ኣብ jw.org እትርከብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ዘርእስታ ቪድዮ ብምልላይ ዛዝም።
ክርስትያናዊ ህይወት
መዝሙር 6
ነታ ጉባኤ ዜድሊ፦ (7 ደቒቕ)
“ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ”፦ (8 ደቒቕ) ምይይጥ። ኵላቶም ካብቲ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዚህብዎ ብሕታዊ ሓሳባት ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ነተን ተዘርዚረን ዘለዋ ሕቶታት፡ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ኣስፋሕቲ ሓሳብ ከም ዚህቡለን ግበር። (ሮሜ 1:12) ኣስፋሕቲ፡ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ኻብ ቃል ኣምላኽ ሓገዝ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ነታ መሐበሪ ምርምር እትብሃል መጽሓፍ ኪጥቀሙላ ኣተባብዓዮም።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) lv ምዕ. 12 ሕ.ጽ. 1-8
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 53ን ጸሎትን