ክርስትያናዊ ህይወት
“ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ”
መዝሙር 52-59 ነቲ ዳዊት ዘሕለፎ እተፈላለየ ኣሸጋሪ እዋናት ትገልጾ እያ። ኣብቲ ጽንኩር ግዜያት እውን ብየሆዋ ይእመን ነበረ። (መዝ 54:4፣ 55:22) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ዳዊት ንየሆዋ፡ ቃሉ ስለ ዝሃቦ ወዲስዎ እዩ። (መዝ 56:10) ከምቲ ዳዊት ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ዓይነት እምነትን ምትእምማንን ነማዕብል ኣለናዶ፧ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ መምርሒ ደሊና ንቓል ኣምላኽ ንምርምሮ ዲና፧ (ምሳ 2:6) ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት ኣየነይቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጊዛትካ፧
-
ተስፋ ምቝራጽ ወይ ጭንቀት ምስ ኣጋጠመካ
-
ምስ ሓመምካ
-
ካልኦት ሰባት ምስ ኣቘጥዑኻ
-
መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠመካ