ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቪድዮታት ተጠቒምካ ምሃር
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ሰባት ዝያዳ በቲ ዚርእይዎን ዚሰምዕዎን ነገራት ስለ ዚሰሓቡ፡ ቪድዮታት ንልቢ ሰባት ኪትንክፍ ይኽእል እዩ። እዚ ኣቓልቦኦም ንምስሓብን ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ንምሕዳርን ይሕግዝ። የሆዋ፡ ዚርአ ነገራት ተጠቒምካ ብምምሃር ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ።—ግብ 10:9-16፣ ራእ 1:1።
እተን፡ ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧፡ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧፡ ዘርእስተን ቪድዮታት መመላእታ ትምህርቲ 2ን 3ን ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ እየን። እተን መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧፡ ከምኡ እውን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስተን ቪድዮታት ድማ ሰባት ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዑ ወይ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንኺእከቡ እየን ዜተባብዓ። ካልእ ቪድዮታትና እውን ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ንምምሃር ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።—km 5/13 3።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
-
ነቲ ብዓል ቤት ከተርእዮ ዝመደብካያ ቪድዮ ኣቐዲምካ ኣራግፋ
-
ካብታ ቪድዮ ኺምልሶ ዚኽእል ሓንቲ ወይ ክልተ ሕቶ ኣዳሉ
-
ነታ ቪድዮ ሓቢርኩም ርኣይዋ
-
ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ተመያየጡሉ
ነዚ ፈትኖ፦
-
ኣብ መወዳእታ ገጽ ሓንቲ ኻብ ትራክትታትና ገንጺልካ፡ ነቲ ናብታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ዚመርሕ ኮድ ኣርኢ
-
ነታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ቪድዮ ኣርኢ፣ ድሕሪኡ፡ ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ብምብርካት ንትምህርቲ 3 ኣጕልሕ