ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ንቕሑ!
መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ብዛዕባ ሓደ ዚምስጥ ርእሰ ነገር ትገልጽ። [ነቲ ብዓል ቤት ሓንቲ ቕዳሕ ሃቦ።]
ሕቶ፦ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብልዕሊ 750 ቋንቋ ኸም ዚትርጐም ትፈልጥዶ፧
ጥቕሲ፦ ራእ 14:6
ንቕሑ!
ትራክትታት
ሕቶ፦ ነዛ ሕቶ እሞ ኣስተብህለላ። [ነታ ኣብ ቅድሚት ገጽ እታ ትራክት እትርከብ ኣማራጺ መልስታት ዘለዋ ሕቶ ኣንብባ።] እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ጥቕሲ፦ [ኣብ ገጽ 2 እታ ትራክት ዘላ ጥቕሲ]
መፋለጢ፦ እዛ ትራክት እዚኣ፡ እዛ ጥቕሲ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኪህልዋ ኸም ዚኽእል ትገልጽ።
ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ
ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።