ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

መዘናግዒኻ ብጥበብ ምረጽ

መዘናግዒኻ ብጥበብ ምረጽ

መዘናግዒና ብጥበብ ክንመርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ እንርእዮ ፊልም፡ እንሰምዖ ሙዚቃ፡ እንኸፍቶ ወብሳይት፡ እነንብቦ መጽሓፍ፡ ወይ እንጻወቶ ጸወታ ቪድዮ ኽንመርጽ ከለና፡ ንኣእምሮና እንመልኦ ነገራት ኢና እንሓሪ ዘለና። እቲ እንገብሮ ምርጫ ንባህርይና ይጸልዎ እዩ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ መዘናግዒ፡ የሆዋ ዚዅንኖ ነገራት ዝሓዘ እዩ። (መዝ 11:5፣ ገላ 5:19-21) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዜኽብር ነገራት ብቐጻሊ ኽንሓስብ ዚምሕጸነና።—ፊል 4:8

ነታ እንታይ ዓይነት መዘናግዒ ኽመርጽ ኣሎኒ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እቶም ኣብ ጥንታዊት ሮሜ ዝነበሩ ተቓለስቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ቓልሲ ምስቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ገሊኡ መዘናግዒ ዚመሳሰል ብኸመይ እዮም፧

  • መንእሰያት መዘናግዒ ብጥበብ ምእንቲ ኺመርጹ፡ ኣባላት ጉባኤ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

  • ሮሜ 12:9 ነቲ ኣብ መዘናግዒ እንገብሮ ምርጫ እትጸልዎ ብኸመይ እያ፧

  • ገለ ኣብነታት እቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ጥዑይ መዘናግዒ እንታይ እዩ፧