ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ገላትያ 4-6

ንዓና ትርጉም ዘለዎ ‘ምሳልያዊ ዛንታ’

ንዓና ትርጉም ዘለዎ ‘ምሳልያዊ ዛንታ’

4:24-31

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ “ምሳልያዊ ዛንታ፡” እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ልዕሊ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ዘለዎ ብልጫ ንምብራህ እዩ ተጠቒሙሉ። ኵሎም ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍቕራዊ ምቍጽጻር ክርስቶስን እቶም መዋርስቱን ካብ ሳዕቤናት ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሓዘንን ሞትን ንሓዋሩ ሓራ ናይ ምዃን ተስፋ ኣለዎም።—ኢሳ 25:8, 9

 

ኣጋር እታ ባርያ

ቃል ብቓሉ ነታ ኣብ ትሕቲ እቲ ኺዳን ሕጊ ዝነበረት፡ የሩሳሌም ርእሲ ኸተማኣ ዝዀነት እስራኤል ተመልክት

ሳራ እታ ጭዋ

ነቲ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ዝዀነ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ተመልክት

“ደቂ” ኣጋር

ነቶም ንየሱስ ዝሰጐጕዎን ዘይተቐበልዎን ኣይሁድ (እቶም ንሕጊ ሙሴ ኽንእዘዝ ኢና ኢሎም ቃል ዝኣተዉ) የመልክቱ

“ደቂ” ሳራ

ንክርስቶስን ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ 144,000ን የመልክቱ

ኣብ ትሕቲ ኺዳን ሕጊ፡ ባርያ ምዃን

እቲ ሕጊ ነቶም ስጋውያን እስራኤላውያን፡ ባሮት ሓጢኣት ምዃኖም የዘኻኽሮም ነበረ

እቲ ሓድሽ ኪዳን ሓርነት ይህብ

ኣብቲ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘለዎ ዋጋ ምእማን፡ ካብ ኵነኔ እቲ ሕጊ ናብ ሓርነት ይመርሕ