ክርስትያናዊ ህይወት
ካብ ምኩራት ክርስትያናት እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧
ኣብ ጉባኤታትና ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንረክብ ኢና። ካብቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎም ጽኑዕ ትውክልቲ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ታሪኽ ውድብ የሆዋን ንጸገማቶም ብሓገዝ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሰገርዎን ክንሓቶም ንኽእል ኢና። ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣብ እንገብረላ ምሸት እውን ንሓደ ኻብዞም ፍቑራት ኣሕዋትና ተመክሮታቶም ምእንቲ ኽነግሩና ኽንዕድሞም ንኽእል ኢና።
ምኩር ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ንመንእሰያት ክርስትያናት ብዛዕባ እምነትካ ኸይተሰከፍካ ገለጸሎም። ያእቆብን ዮሴፍን ንዘርኦም ተመክሮ ይነግርዎም ነይሮም እዮም። (ዘፍ 48:21, 22፣ 50:24, 25) የሆዋ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ንደቆም ብዛዕባ ግብርታት ሓይሉ ኺነግርዎም ትጽቢት ይገብረሎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ 4:9, 10፣ መዝ 78:4-7) ኣብዚ ግዜና እውን፡ ወለድን ካልኦት ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናትን ንናእሽቱ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ዝፈጸሞ ዜደንቕ ነገራት ኪነግርዎም ይኽእሉ እዮም።
ነታ ኣብ ትሕቲ እገዳ ሓድነትና ሓሊና ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ኣብ ኦስትርያ ዚርከብ ጨንፈር፡ ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ እተወሰነ ሃገራት ንዘለዉ ኣሕዋት ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧
-
ኣብዘን ሃገራት እዚአን ዚርከቡ ኣሕዋት እምነቶም ዘደልደሉ ብኸመይ እዮም፧
-
ኣብ ሩማንያ፡ ሓያሎ ኣስፋሕቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ተፈልዮም ዝጸንሑ ስለምንታይ እዮም፧ ብኸመይከ ተመሊሶም፧
-
እዚ ተመክሮታት እዚ፡ እምነትካ ብኸመይ ኣደልዲሉልካ፧