ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ዕዉታት ኪዀኑ ሓግዝዎም

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ዕዉታት ኪዀኑ ሓግዝዎም

ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ፡ ደቆም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ኪርእይዎም ሃረር እዮም ዚብሉ። ስለዚ፡ ንደቆም ሕጻናት ከለዉ ኣትሒዞም ኣብ ልቦም ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪቐርጹሎም ኣለዎም። (ዘዳ 6:7፣ ምሳ 22:6) ከምዚ ምግባር መስዋእቲ ዚሓትት ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! እንተዀነ ግና፡ ጻዕሮም ዓስቢ ኣለዎ።—3ዮሃ 4

ወለዲ ኻብ ዮሴፍን ማርያም ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንሳቶም ዋላ እኳ ጻዕርን ወጻኢታትን ዚሓትት እንተ ነበረ፡ “ዓመት ዓመት ንበዓል ፋስጋ ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።” (ሉቃ 2:41) ንመንፈሳውነት ስድራ ቤቶም ቀዳምነት ከም ዝሃብዎ ንጹር እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ወለዲ ንደቆም ብቕንዕቲ መገዲ ምእንቲ ኺመርሕዎም፡ ንዚረኸብዎ ኣጋጣሚ ዅሉ ተጠቒሞም ብቓልን ብግብርን ኪምህርዎም ኣለዎም።—መዝ 127:3-5

ነታ ንዅሉ ኣጋጣሚ ተጠቒሞምሉ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ጃን ሺለርን ሻረን ሺለርን ቈልዑ እናኣዕበዩ ብቐጻሊ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኬቐድሙ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

  • ወለዲ ንደቆም ኪግስጽዎም ከለዉ ኸከም ኵነታት እቶም ውሉዳት ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

  • ወለዲ ንደቆም ናይ እምነት ፈተና ምእንቲ ኺጻወሩ ኼሰልጥንዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

  • ደቅኹም ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ምእንቲ ኽትሕግዝዎም፡ ነየናይ ብውድብ የሆዋ ዝቐረበ ናውቲ ተጠቒምኩም፧

ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ምግልጋል ቀዳምነት ከም እትህቦ ግበር