ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ካብ መፈንጠራ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቕ

ካብ መፈንጠራ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቕ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ልክዕ ከም መብዛሕትኡ ናውቲ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ጐዳኢ ወይ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ክርስትያናት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይጥቀሙ ወሲኖም እዮም። ካልኦት ክርስትያናት ድማ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ንምርኻብ ይጥቀሙሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ድያብሎስ ንማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ነቲ ዘሎና ጽቡቕ ስምን ንመንፈሳውነትናን ብዚጐድእ ጥበባዊ ዘይኰነ መገዲ ኽንጥቀመሉ እዩ ዚደልየና። ልክዕ ከም የሱስ ነቲ መፈንጠራታት ኣለሊና ምእንቲ ኸነወግዶ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ንዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—ሉቃ 4:4, 8, 12

ከነወግዶ ዘሎና መፈንጠራታት፦

  • መጠኑ ዝሓለፈ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ሰዓታት ምጥፋእ፡ ነቲ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ክንጥቀመሉ እንኽእል ዝነበርና ኽቡር ግዜና ኼባኽነልና ይኽእል እዩ

    ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤፌ 5:15, 16፣ ፊል 1:10

  • ዜተሓታትት ነገራት ምርኣይ። ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ስእልታት ምርኣይ ውሉፋት ስእለ ጽዩፍ ኪገብረናን ናብ ምንዝርና ኺመርሓናን ይኽእል እዩ። ከሓድቲ ኣብ ኢንተርነት ዚጽሕፍዎ ጽሑፋት ምንባብ ወይ ኣብ ወብ ሳይቶም ምርኣይ፡ እምነት ሓደ ሰብ ኬጥፍእ ይኽእል እዩ

    ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማቴ 5:28፣ ፊል 4:8

  • ዘይግቡእ ርእይቶታት ወይ ስእልታት ምልጣፍ። ልቢ ጐራሕ ስለ ዝዀነ ሓደ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘይግቡእ ርእይቶታት ወይ ስእልታት ንምልጣፍ ኪፍተን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ምግባር ነቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ስም ኬበላሽወሉ ወይ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕንቅፋት ኪዀኖ ይኽእል እዩ

    ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 14:13፣ ኤፌ 4:29

ነታ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት ብኸመይ ከም እተወግዶ ርአ፦