ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ጽልኢ ብመለኮታዊ ትምህርቲ ይስዓር

ጽልኢ ብመለኮታዊ ትምህርቲ ይስዓር

የሆዋ ኣየዳሉን እዩ። (ግብ 10:34, 35) “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ዝዀኑ ሰባት ይቕበል። (ራእ 7:9) ስለዚ፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ጽልኢ ወይ ኣድልዎ ቦታ የብሉን። (ያእ 2:1-4) ሳላ መለኮታዊ ትምህርቲ፡ ባህርያት ሰባት ተቐይሩ ኣብ እንርእየሉ መንፈሳዊ ገነት ንነብር ኣለና። (ኢሳ 11:6-9) ኣብ ልብና ዘሎ ዝዀነ ይኹን ጽልኢ ኻብ ስሩ ንምም ሓው ብትግሃት ንዓዪ እንተ ደኣ ዄንና፡ ንኣምላኽ ከም እንመስሎ ኢና እነርኢ። —ኤፌ 5:1, 2

ነታ ጆኒን ጊዴዎንን፦ ቀደም ጸላእቲ፡ ሕጂ ኣሕዋት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣድልዎን ጽልእን ብምጥፋእ ዝመጸ፡ መለኮታዊ ትምህርቲ ኻብቲ ሰባት ዚገብርዎ ጻዕሪ ዚበልጽ ስለምንታይ እዩ፧

  • ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ዜደንቐካ እንታይ እዩ፧

  • ክርስትያናዊ ሓድነትና ምስ እንዕቅብ፡ የሆዋ ዚኸብር ብኸመይ እዩ፧