26 ታሕሳስ–1 ጥሪ
ኢሳይያስ 17-23
መዝሙር 42ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ንስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም ስልጣን የስእን”፦ (10 ደቒቕ)
ኢሳ 22:15, 16—ሸብና ንስልጣኑ ስስዐ ብዚመልኦ መገዲ ተጠቕመሉ (ip-1-E 238 ¶16-17)
ኢሳ 22:17-22—የሆዋ ንሸብና ብኤልያቂም ተክኦ (ip-1-E 238-239 ¶17-18)
ኢሳ 22:23-25—ሸብና ኻብ ዘሕለፎ ተመክሮ ጠቓሚ ትምህርቲ ንረክብ (w07 15/1 8 ¶6፣ ip-1-E 240-241 ¶19-20)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ኢሳ 21:1—“በረኻ ባሕሪ” ተባሂሉ እተጸውዐ ኣየናይ ዞባ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (w06 1/12 11 ¶2)
ኢሳ 23:17, 18—መኽሰብ ጢሮስ “ንየሆዋ እተቐደሰ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ip-1-E 253-254 ¶22-24)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ኢሳ 17:1-14
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) bh—ምስታ መጽሓፍ ምእንቲ ኸተፋልጦ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ተጠቐም። (መዘኻኸሪ፦ ኣብ እዋን እቲ መርኣያ ነታ ቪድዮ ኣይትወልዓያ።)
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) bh—ኣብ ኣፍ ደገ ዄንካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር፣ ንዚመጽእ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ድማ ኣንብር።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) lv 150-151 ¶10-11—ብኸመይ ልቡ ኸም እትትንክፍ ኣርኢ።
ክርስትያናዊ ህይወት
መዝሙር 44
‘ክትነቅሕ’ ዲኻ፧ (8 ደቒቕ) ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2015 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 12-16 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ንዅሎም ኣስፋሕቲ፡ ኣብነት እቲ ኢሳይያስ ብራእይ ዝረኣዮ ሓላውን እተን የሱስ ብምሳሌ ዝጠቐሰን ሓሙሽተ ደናግልን ብምስዓብ ኪነቕሑ ኣተባብዓዮም። —ኢሳ 21:8፣ ማቴ 25:1-13።
ውድባዊ ዕማማት፦ (7 ደቒቕ) ኣብ ታሕሳስ ነታ ውድባዊ ዕማማት ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) ia ምዕ. 5 ሕ.ጽ. 1-13
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 4ን ጸሎትን