ክርስትያናዊ ህይወት
ብመጽሓፍ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ልቢ ተንክፍ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሰባት ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ኼምልኽዎ መለክዒታቱ ኺምሃሩን ምስቲ መለክዒታት ተሰማሚዖም ኪነብሩን ኣለዎም። (ኢሳ 2:3, 4) እታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እንጥቀመላ “ፍቕሪ ኣምላኽ” እትብሃል ካልአይቲ ናይ መጽናዕቲ ሕታምና፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ምስ መዓልታዊ ህይወት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ምእንቲ ኼስተውዕሉ ትሕግዞም እያ። (እብ 5:14) ንተምሃሮ ኽንምህሮም ከለና፡ ለውጢ ኺገብሩ ዜኽእሎም ቅኑዕ ድራኸ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ልቦም ንምትንካፍ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።—ሮሜ 6:17።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
-
ንተምሃራይካ ዜድልዮ ነገራት ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ። ብዛዕባ እቲ ዚጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ ሓሳቡን ስምዒቱን ከም ዚገልጽ ዚገብሮ ሕቶታት ሕሰብ።—ምሳ 20:5፣ be 259
-
ተምሃራይካ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘለዎ ረብሓ ምእንቲ ኺግንዘብ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ንዘሎ ሳጹናት ብምሉኡ ተጠቐመሉ
-
ተምሃራይካ ንሕልና ዚምልከት ጕዳይ ኬመዛዝን ሓግዞ፣ ግናኸ ኣይትወስነሉ።—ገላ 6:5
-
ተምሃራይካ ገለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትግባር ሓገዝ እንተ ደኣ ኣድልይዎ፡ ኪውስን ዚሕግዞ ነጥብታት ብሜላ ግለጸሉ። ንየሆዋ ኻብ ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ ለውጢ ምእንቲ ኺገብር ድማ ብለውሃት ኣተባብዓዮ።—ምሳ 27:11፣ ዮሃ 14:31