‘ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ ንደይብ’
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” |
እንነብረሉ ዘሎና ግዜ |
“ከረን ቤት የሆዋ” |
ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ዚግበረሉ ልዕል ዝበለ ቦታ |
“ናብኡ ኸኣ ኵሎም ኣህዛብ ኪውሕዙ እዮም” |
እቶም ንጹህ ኣምልኾ እተቐበሉ ብሓደ ይእከቡ |
“ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ” |
ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኻልኦት፡ ኪሓብርዎም ይዕድሙ |
“ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ ንሕና እውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” |
የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ይምህረናን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ይሕግዘናን |
“ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም” |
ኢሳይያስ፡ ህዝቢ የሆዋ ሰላም ከም ዚስዕቡ ንምሕባር፡ ንኣጽዋር ውግእ ናብ ናውቲ ማሕረስ ከም ዚልውጥዎ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ናውቲ እዚ፡ ብግዜ ኢሳይያስ ንምንታይ እዩ ዜገልግል ነይሩ፧ |
‘ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት ኪገብሩ እዮም’ |
ማሕረሻ ሓደ ኻብ ናውቲ ማሕረስ ኰይኑ፡ ንዝባን ምድሪ ይዅዕት። ገሊኡ ድማ ካብ ሓጺን እዩ ዚስራሕ ነይሩ።—1ሳሙ 13:20 |
“ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም” |
ገዘሞ ቅርጺ ማዕጺድ ዘለዎ በሊሕ ሓጺን ኰይኑ፡ መትሓዚ ኣለዎ። እዚ ንዋት እዚ፡ ወይኒ ንምጥጣፍ የገልገል ነበረ።—ኢሳ 18:5 |