ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ን‘ዘንቀዱ’ ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ን‘ዘንቀዱ’ ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ኣብ ልቢ “እቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ሰባት፡ ዘርኢ ሓቂ ኸም ዚበቍል ይገብር እዩ። (ግብ 13:48፣ 1ቈረ 3:7) ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎት፡ ኣትኵሮና ነቲ እተማህርዎ ነገራት ምላሽ ኣብ ዚህቡ ሰባት ብምግባር፡ ምስኡ ሓቢርና ንዓዪ ኢና። (1ቈረ 9:26) ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድሕነት ንምርካብ ክርስትያናዊ ጥምቀት ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ኺግንዘቡ ኣለዎም። (1ጴጥ 3:21) ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኺገብሩን ኪሰብኩን ኪምህሩን ህይወቶም ንየሆዋ ኺውፍዩን ብምምሃር ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ንሕግዞም ኢና።—ማቴ 28:19, 20

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዕሉ ዕላማ ንየሆዋ ‘ኺፈልጡን’ ንዕኡ ባህ ኬብሉን ምሕጋዝ ከም ዝዀነ ኣዘኻኽሮም።—ዮሃ 17:3

  • ከም ሕማቕ ልማድን ዜተሓታትት ምሕዝነትን ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት ኣወጊዶም መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ሓግዞም

  • ቅድሚ ምጥማቖምን ድሕሪ ምጥማቖምን ኣበረታትዓዮምን ኣተባብዓዮምን።—ግብ 14:22

ነታ የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሓደ ሰብ ርእሱ ኸይውፍን ከይጥመቕን እንታይ ኬፍርሆ ይኽእል፧

  • ሽማግለታት፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

  • ኢሳይያስ 41:10 ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ትምህረና፧

  • ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ኸነገልግሎ ዜኽእለና እንታይ ባህርያት እዩ፧

ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ምስ የሆዋ ሓቢርና እንዓዪ ብኸመይ ኢና፧