ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ተሓጒስካ ንየሆዋ ብመዝሙር ወድሶ

ተሓጒስካ ንየሆዋ ብመዝሙር ወድሶ

ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለዉ ንየሆዋ ብመዝሙር ይውድስዎ ነበሩ። (ግብ 16:25) መዝሙር ምዝማሮም ኪጻወሩ ኸም ዝሓገዞም ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ንዓና ብኸመይ ይሕግዘና፧ ኣብ ኣምልኾ እንጥቀመሉ መዝሙራትን ናይ ፈለማ መዝሙራትን የተባብዓናን ኣብ እዋን ፈተና እሙናት ክንከውን ይሕግዘናን እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ንየሆዋ ውዳሴ የምጽኣሉ እዩ። (መዝ 28:7) ንገሊኡ ግጥሚ እዚ መዝሙራት ክንሽምድዶ ተተባቢዕና ኢና። ከምኡ ኽትገብር ፈቲንካዶ፧ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ መዝሙራት ክንዝምርን ግጥምታት ክንለማመድን ንኽእል ኢና።

ነታ ቈልዑ ብመዝሙር ንየሆዋ ይውድስዎ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ምዝማር፡ እንታይ ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል፧

  • ክፍሊ ኣውድዮ/ ቪድዮ መዝሙር ንምቕዳሕ ብኸመይ ይዳለዉ፧

  • ቈልዑን ስድራ ቤቶምን ነቲ ዚቕዳሕ መዝሙር ብኸመይ ይዳለዉ፧

  • ካብ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ እትፈትዎ ኣየናይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧