ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ኣብ ሓደ ውሳነ በጽሑ
እቲ ጕዳይ ካብ እተፈትሓሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
15:1, 2—ትሕትናን ትዕግስትን ኣርኢ። ጳውሎስን በርናባስን ነቲ ጕዳይ ባዕላቶም ኪፈትሕዎ ኣብ ክንዲ ዚጽዕሩ ኻብ ውድብ የሆዋ መምርሒ ኣናድዮም እዮም።
15:28, 29—ኣብ ውድብ ኣምላኽ እምነት ይሃሉኻ። እታ ጉባኤ፡ የሆዋ ነቲ ጕዳይ ብመንፈስ ቅዱሱን ብክርስቶስ የሱስን ኣቢሉ ኸም ዚመርሖ ትተኣማመን ነበረት።
16:4, 5—ተኣዘዝ። እተን ጉባኤታት ብኣመሓዳሪ ኣካል ንእተዋህበ መምርሒ ኺእዘዛ ኸለዋ ይብልጽጋ ነይረን እየን።