31 ታሕሳስ 2018–6 ጥሪ 2019
ግብሪ ሃዋርያት 19-20
መዝሙር 103ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ንርእስኹምን ንዅሉ እቲ . . . መጓሰን ተጠንቀቑ”፦ (10 ደቒቕ)
ግብ 20:28—ሽማግለታት ንጉባኤ ይጓስዩ (w11 15/6 20-21 ¶5)
ግብ 20:31—ሽማግለታት ከከም ኣድላይነቱ “ለይትን መዓልትን” ሓገዝ ይህቡ (w13 15/1 31 ¶15)
ግብ 20:35—ሽማግለታት ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ኬርእዩ ኣለዎም (bt 172 ¶20)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ግብ 19:9—ሃዋርያ ጳውሎስ ጻዕረኛን ተዓጻጻፍን ብምዃን ኣብነት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧ (bt 161 ¶11)
ግብ 19:19—ሰብ ኤፌሶን ክንስዕቦ ዚግባእ ኣብነት ዝሓደጉ ብኸመይ እዮም፧ (bt 162-163 ¶15)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ግብ 19:1-20
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ካልኣይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ነቲ ብዓል ቤት፡ ካርድ ኣድራሻ JW.ORG ሃቦ።
ሳልሳይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ናይ ርእስኻ ጥቕስን ንዚቕጽል ምብጻሕ ዚኸውን ሕቶን ምረጽ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) jl ትምህርቲ 15
ክርስትያናዊ ህይወት
ንዚመጣጠሩ መንእሰያት ኣሰልጥኖም፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦ ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ እንታይ ኣገዳሲ እጃም እዩ ዘለዎም፧ (ግብ 20:28) ሽማግለታት ንኻልኦት ብቐጻሊ ኼሰልጥኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ሽማግለታት ነቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ዘሰልጠነሉ መገዲ ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እቶም ዚስልጥኑ ኣሕዋትከ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይግባእ፧ (ግብ 20:35፣ 1ጢሞ 3:1) ሽማግለታት እንታይ ግብራዊ ስልጠና እዮም ኪህብዎም ዚኽእሉ፧ ሽማግለታት ብዛዕባ እቶም ዜሰልጥንዎም እንታይ ዓይነት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) jy ምዕ. 1
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 96ን ጸሎትን