መዓልቲ ዕርቅን ንስኻን
ካብቲ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዚቐርብ ዕጣን እንታይ ንምሃር፧
-
እቲ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዜቕርብዎ ቕቡል ጸሎት ከም ዕጣን እዩ። (መዝ 141:2) ልክዕ ከምቲ ሓደ ሊቀ ኻህናት ዕጣን ናብ የሆዋ ኬቕርብ ከሎ ብዓብዪ ኣኽብሮት ዚገብሮ፡ ንሕና እውን ንየሆዋ ብፍርሃትን ብኣኽብሮትን ኢና እንቐርቦ
-
እቲ ሊቀ ኻህናት መስዋእቲ ቕድሚ ምቕራቡ ዕጣን ኪዓጥን ነበሮ። የሱስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንህይወቱ መስዋእቲ ገይሩ ቕድሚ ምቕራቡ፡ ብንጽህናን ብተኣማንነትን ብምምልላስ፡ የሆዋ ነቲ መስዋእቱ ምእንቲ ኪቕበሎ መገዲ ኼዳሉ ነይርዎ
እቲ ንየሆዋ ዘቕርቦ መስዋእቲ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ ብኸመይ ከረጋግጽ እኽእል፧