ክርስትያናዊ ህይወት
ንቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ከተመልክት ፍቓደኛ ዲኻ፧
ካብ 23 ክሳዕ 65 ዓመት ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ እትርከብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዲኻ፧ ጽቡቕ ጥዕና ዘሎካ፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኼድካ ድማ ከተገልግል እትኽእል ዲኻ፧ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን እወ፡ ኢልካ ኽትምልሰን እንተ ኽኢልካ፡ ንቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ከተምልክት ሓሲብካሉዶ፧ እቲ ትምህርቲ ኻብ እተጀመረሉ ኣትሒዙ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ እተመርዓዉን ዘይተመርዓዉን ኣሕዋትን ኣሓትን ኬመልክቱ ጸኒሖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ዘይተመርዓዉ ኣሕዋት ብብዝሒ የድልዩና ኣለዉ። የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንምሕጓስን ንወዱ ንምምሳልን ዘሎካ ድሌት ኬዛይደልካ ሕተቶ። (መዝ 40:8፣ ማቴ 20:28፣ እብ 10:7) ቀጺልካ፡ ነዚ መሰል እዚ ብቑዕ ምእንቲ ኽትከውን፡ ዓለማዊ ዕዮኻ ወይ ብሕታዊ ሓላፍነታትካ እትንክየሉ መገድታት እንተ ኣልዩ ሕሰብ።
እዚ ቲኦክራስያዊ ስልጠና እዚ ንዝረኸቡ ተመረቕቲ፡ እንታይ መዳያት ኣገልግሎት እዩ እተኸፍተሎም፧ ገሊኦም ተመረቕቲ ኻልእ ቋንቋ ኣብ ዚዝረበሉ ኽሊ ወይ ከኣ ብጋህዶ ኣብ ዚግበር ፍሉይ ምስክርነት ኬገልግሉ ተመዲቦም እዮም። ገሊኦም ተመረቕቲ ኸኣ ጸኒሖም ተተካእቲ ሓለውቲ ወረዳ፡ ሓለውቲ ወረዳ፡ ወይ ሚስዮናውያን ወፍሪ ዀይኖም የገልግሉ እዮም። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዛዕባ እትዓይዮ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ክትሓስብ ከለኻ፡ ነቲ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” ዚብል ቃላት ነብዪ ኢሳይያስ ከተቃልሕ ንምነየልካ።—ኢሳ 6:8።
ነታ ሚስዮናውያን ወፍሪ—ዓየይቲ እቲ እኽሊ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ሚስዮናውያን ወፍሪ ብኸመይ እዮም ዚምረጹ፧
-
ሚስዮናውያን ወፍሪ እንታይ ሰናይ ዕዮ እዮም ዚዓይዩ ዘለዉ፧
-
ገለ ኻብቲ ሚስዮናውያን ዚረኽብዎ በረኸት እንታይ እዩ፧