ኣብ ቭየና፡ ኦስትርያ ብኢንተርኮም ምምስካር

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ነሓሰ 2016

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

መጽሔት ንቕሑ!ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹርን ንምብራካት ዚኸውን ሓሳባት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ኣብ ስቱር ቦታ እቲ ልዑል ተቐመጥ

“ስቱር ቦታ” የሆዋ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዜዕቝበና፧ (መዝሙር 91)

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርእሶም ወፍዮም ኪጥመቑ ሓግዞም

እዚ መንፈሳዊ ሸቶ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ብግዜ እርጋን ብመንፈሳዊ መዳይ ይለምዑ

ኣብ መዝሙር 92 ዘሎ ፍቕድታት፡ ኣረጋውያን ከም ዚለምዑንን መንፈሳዊ ፍረ ኸም ዚፈርዩን ይገልጽ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ

ኣብ መዝሙር 103፡ ዳዊት ምሕረት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ንምግላጽ ስእላዊ ዘረባ ተጠቕመ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ንየሆዋ ኣመስግንዎ”

ኣብ መዝሙር 106 ዘሎ ፍቕድታት ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት፡ መማሰዊ ልቢ ኸነማዕብልን ክንዕቅብን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧”

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ ምስጋናኡ ኺገልጸሉ ዝቘረጸ ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 116)

ክርስትያናዊ ህይወት

ሓቂ ምሃር

ነዚ ሓድሽ ኣቀራርባ እዚ ተጠቒምካ ንሰባት ቅልል ዝበለ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኣካፍሎም።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ንምዕዳል ዚግበር ፍሉይ ወፈራ

ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ምጽንናዕን ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘጸናንዓናን ክትገልጽ እያ።