ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርእሶም ወፍዮም ኪጥመቑ ሓግዞም
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስምረት የሆዋ ምእንቲ ኺረኽቡ ርእሶም ንዕኡ ወፍዮም ኪጥመቑ ኣለዎም። (1ጴጥ 3:21) እቶም ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ዚነብሩ ድማ መንፈሳዊ ዕቑባ ይረኽቡ። (መዝ 91:1, 2) ሓደ ክርስትያን ርእሱ ዚውፊ፡ ንየሆዋ እምበር ንሰብ፡ ንስራሕ፡ ወይ ንውድብ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ኬፍቅርዎን ኬማስውዎን የድሊ።—ሮሜ 14:7, 8።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
-
ኣብ እዋን መጽናዕቲ፡ እቲ ትምህርቲ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚገልጽ ተመያየጡሉ። መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብን ‘ከየቋረጽካ’ ናብ የሆዋ ምጽላይን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሕ።—1ተሰ 5:17፣ ያእ 4:8
-
ተምሃራይካ ንወፈያን ጥምቀትን ከም መንፈሳዊ ሸቶኡ ገይሩ ኺሕዞ ኣተባብዓዮ። ብዘይካዚ፡ ከም ኣብ ኣኼባ ሓሳብ ምሃብ ወይ ንጐረባብትን ንመሳርሕትን ምምስካር ዝኣመሰለ ኣብ ሓጺር ግዜ ኺብጻሕ ዚኽእል ሸቶታት ኬውጽእ ሓግዞ። የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘየገድድ ኣይትረስዕ። ከመይሲ፡ ወፈያ ብሕታዊ ውሳነ እዩ።—ዘዳ 30:19, 20
-
ተምሃራይካ ንየሆዋ ምእንቲ ኼሐጕስን ንጥምቀት ምእንቲ ኺበቅዕን ኣድላዪ ለውጥታት ኪገብር ኣለዓዕሎ። (ምሳ 27:11) ገሊኡ ባህርያትን ልምድታትን ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጡ ሓድሽ ስብእና ምእንቲ ኺለብስ ቀጻሊ ሓገዝ የድልዮ ይኸውን። (ኤፌ 4:22-24) ስለዚ፡ ገለ ኻብቲ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ኣብ ዘርእስቱ ዓምዲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚወጽእ ዓንቀጻት ኣካፍሎ
-
ንየሆዋ ብምግልጋል ዝረኸብካዮ ሓጐስ ንገሮ።—ኢሳ 48:17, 18