ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ሓቂ ምሃር

ሓቂ ምሃር

ካብ መስከረም ጀሚሩ፡ ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን “ሓቂ ምሃር” ዘርእስቱ ሓድሽ ዓይነት ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኺውሰኽ እዩ። ዕላማና ብሕቶን ጥቕስን ጌርና መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምጕላሕ እዩ።

ሓደ ሰብ ተገዳስነት ከም ዘለዎ እንተ ደኣ ኣስተውዒልና፡ ንዚቕጽል ምብጻሕና ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበዮ ንምግባር፡ ጽሑፍ ክንገድፈሉ፡ ወይ ድማ ካብ jw.org ቪድዮ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ንዝገበርናዮ ምይይጥ ምእንቲ ኽንቅጽሎ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ክንምለስ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። እቲ ሓድሽ ኣቀራርባታትን ክፍልታት ተምሃሮን ኣብታ ዋት ካን ዘ ባይብል ቲች ኣስ (መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧) ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ መጠቓለሊ ምዕራፍ እተመስረተ እዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ካብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ብቕልል ዝበለ መገዲ ዝቐረበት ሕታም እያ። ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ተጠቒምካ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ዚሕግዝ ተወሳኺ ሓሳባትን ጥቕስታትን ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ናብ ህይወት እትወስድ ሓንቲ መገዲ ጥራይ እያ ዘላ። (ማቴ 7:13, 14) እተፈላለየ ሃይማኖትን ድሕረ ባይታን ንዘለዎም ሰባት ስለ እንዛረብ፡ ንነፍሲ ወከፎም ብውልቂ ኺስሕቦም ዚኽእል ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነርእዮም ኣሎና። (1ጢሞ 2:4) ብእተፈላለየ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽኢላታት ብምዃን ‘ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ብምጥቃም’ ዝመጸ ኽእለትና ምስ ዚመሓየሽ፡ ሓጐስና ይውስኽ፡ ሓቂ ንኻልኦት ኣብ ምምሃር ድማ ዕዉታት ንኸውን።—2ጢሞ 2:15