ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ንምዕዳል ዚግበር ፍሉይ ወፈራ

ኣብ መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ንምዕዳል ዚግበር ፍሉይ ወፈራ

ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት፡ መጸናንዒ የድልዮም እዩ። (መክ 4:1) ኣብ ወርሒ መስከረም ብምልእታ፡ ነታ “መጸናንዒ” ዚብል ፍረ ነገር ዘለዋ ግምቢ ዘብዐኛ ንምዕዳል ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር ኢና። እዛ መጽሔት እዚኣ ኣብ ኢድ ብዙሓት ሰባት ከም እትበጽሕ ግበር። ይኹን እምበር፡ ንሰባት ንምጽንናዕ ብቐጥታ ኽንዛረቦም ስለ እንደሊ፡ ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ መጽሔታትና ኣይንገድፈሎምን ኢና።

እንታይ ክትብል ትኽእል

“ሓድሓደ ግዜ ዅላትና መጸናንዒ የድልየና እዩ። ይኹን እምበር፡ መጸናንዒ ኽንረክብ እንኽእል ካበይ ኢና፧ [2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ መጸናንዒ ብኸመይ ኪህብ ከም ዚኽእል ትገልጽ።

እቲ ሰብ ተገዳስነት እንተ ደኣ ኣርእዩን ነታ መጽሔት እንተ ተቐቢሉን፡  . . .

ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣርእዮ

ድሕሪኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ሕተቶ።

ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ኣንብር

ምስ ተመለስካ እትምልሳ፡ “ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” እትብል ሕቶ ሕተቶ።