ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ነሓሰ 2018
ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜና እውን ከም ዚጠቅም ዚገልጽ ንመርኣዪ ዚኸውን ተኸታታሊ ዝርርብ።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ኣመስጋኒ ኹን
እቶም ንክርስቶስ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ሰባት፡ ዝዀነ ይኹን ዜግነት፡ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ንዘለዎ ሰብ ፍቕርን ሞሳን ኬርእዩ ግዴታ ኣለዎም።
ክርስትያናዊ ህይወት
ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ
ከም ሰበይቲ ሎጥ፡ ሞገስ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይንስእን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ኣብ ህይወትና ስጋዊ ነገራት ንመንፈሳዊ ነገራት ኪዕብልሎ ይጅምር ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልናኸ፧
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ካብ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና ተምሃር
ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ ዓሰርተ ምና ዝሃቦ ምሳሌ, እቲ ጐይታ, እቶም ባሮት, ከምኡ እውን እቲ ገንዘብ እንታይ የመልክት፧
ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ ንJW.ORG ተጠቐመሉ
ኣብቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውትና ዚርከብ ኵሉ ሕታማት ናብ jw.org ይሕብር እዩ። ንወብ ሳይትና እንተ ተጠቒምናሉ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ዝያዳ ውጽኢታውያን ክንከውን ንኽእል ኢና።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
‘ድሕነትኩም ቀሪቡ እዩ’
የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ፈጻሚ ፍርድን ከም መድሓንን ኰይኑ ኺመጽእ እዩ። ድሕነትና ዜተኣማምን ምእንቲ ኪኸውን ብመንፈሳዊ መዳይ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ንኻልኦት በደሎም ክትሓድገሎም ድሉው ኩን
ሓጥኣን ዝዀኑ ሰባት እንተ ተለዊጦም፡ የሆዋን ወዱን ምሕረት ኪገብሩሎም ድሉዋት እዮም።
ክርስትያናዊ ህይወት
የሱስ ምእንቲ ሓውካ እውን እዩ ሞይቱ
የሱስ ምእንቲ ዘይፍጹማት ሰባት፡ ህይወቱ ሰዊኡ እዩ። ነቶም ከምዚ ኸማና ፍጹማት ዘይኰኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ፍቕሪ ኸነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧