ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ ንJW.ORG ተጠቐመሉ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውትና ዚርከብ ኵሉ ሕታማት ናብ jw.org ይሕብር እዩ። ቀንዲ ዕላማ ካርድ ኣድራሻን እታ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧ ዘርእስታ ትራክትን ንሰባት ናብ ወብ ሳይትና ምምራሕ እዩ። ንjw.org ተጠቒምካ ሓደ ኻብቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውትና ዝዀነ ጽሑፋት ብኢ-መይል ወይ ብሊንክ ብምልኣኽ ኤለክትሮኒካዊ ቕዳሕ ከተበርክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ብፍላይ ካልእ ቋንቋ ንዚዛረብ ሰብ ክትምስክረሉ ኸለኻ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ብተወሳኺ፡ ሰባት ኣብቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውቲ መልሱ ዘይርከብ ሕቶታት ኪሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ንወብ ሳይትና እንተ ተጠቒምናሉ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ዝያዳ ውጽኢታውያን ክንከውን ንኽእል ኢና።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
-
ነቲ “ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ዓምዲ ተጠቐመሉ። ንኣብነት፡ ውሉዳት ብዛዕባ ምዕባይ ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ ንዝደለየ ወላዲ ትምስክረሉ ኣለኻ ንበል። ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ሓዳርን ስድራ ቤትን ርአ።
-
ነቲ “ሕታማት” ዚብል ዓምዲ ተጠቐመሉ። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ትምስክርን ነታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተበርክትን ደሊኻ ኣለኻ ንበል። ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ።
-
ነቲ “ብዛዕባና” ዚብል ዓምዲ ተጠቐመሉ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እምነትና ሓጺር ሓበሬታ ኼንብብ ንዚደሊ ንሓደ መሳርሕትኻ ትምስክር ኣለኻ ንበል። ኣብ ትሕቲ ብዛዕባና > ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት ርአ።
ነታ ንJW.ORG ተጠቐመሉ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዞም ዚስዕቡ ሰባት ንምሕጋዝ ኣብ ወብ ሳይትና ኣበየናይ ቦታ ሓገዝ ከም እትረክብ ርአ፦
-
ብኣምላኽ ንዘይኣምን ሰብ
-
ኣብ ቀረባ እዋን ሓደጋ ንዘጋጠሞ ሰብ
-
ንዝዘሓለ ሓው ወይ ሓብቲ
-
ዕዮና ብኸመይ ከም ዚምወል ኪፈልጥ ንዚደሊ ተመላሊስካ ምብጻሕ
-
ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ኣብ ኣኼባ ኺካፈል ንዚደሊ ሰብ