ክርስትያናዊ ህይወት
የሱስ ምእንቲ ሓውካ እውን እዩ ሞይቱ
የሱስ ምእንቲ ዘይፍጹማት ሰባት፡ ህይወቱ ሰዊኡ እዩ። (ሮሜ 5:8) የሱስ ምእንታና ህይወቱ ብምሃብ ፍቕሩ ስለ ዘርኣየና ብብሕትና ኸም እነማስወሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሓድሓደ እዋን ግና፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓውና እውን ከም ዝሞተ ንርእስና ኸነዘኻኽራ የድልየና ይኸውን። ነቶም ከምዚ ኸማና ፍጹማት ዘይኰኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ፍቕሪ ኸነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሰለስተ መገዲ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ነቶም ካብ ናትና እተፈልየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኣሕዋትና እውን ኣዕሩኽ ምእንቲ ኽንገብሮም ፍቕርና ኸነግፍሕ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:7፣ 2ቈረ 6:12, 13) ካልኣይ፡ ንኻልኦት ኬጕሂ ዚኽእል ነገር ከይንዛረብ ወይ ከይንገብር ክንጥንቀቕ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 14:13-15) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ሓደ ሰብ እንተ በዲሉና፡ ቀልጢፍና ኽንሓድገሉ ንኽእል ኢና። (ሉቃ 17:3, 4፣ 23:34) በዚ መገዲ እዚ ንየሱስ ክንመስሎ ሓያል ጻዕሪ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ንጉባኤና ሰላምን ሓድነትን ብምሃብ ኪባርኻ እዩ።
ነታ የጸብቐልካ! ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦