ክርስትያናዊ ህይወት
ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ
ሰበይቲ ሎጥ ካብ ሶዶም ክትሃድም ከላ ንድሕሪት ግልጽ ዝበለት ስለምንታይ እያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይነግረናን እዩ። (ዘፍ 19:17, 26) እቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸም ዚሕብሮ፡ ገዲፋቶ ንዝመጸት ነገር ተመንያ ኽትከውን ትኽእል እያ። (ሉቃ 17:31, 32) ከም ሰበይቲ ሎጥ፡ ሞገስ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይንስእን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ኣብ ህይወትና ንስጋዊ ምሾት ቀዳምነት ክንህቦ የብልናን። (ማቴ 6:33) የሱስ ‘ንኣምላኽን ንገንዘብን ክንግዛእ ከም ዘይንኽእል’ ምሂሩ እዩ። (ማቴ 6:24) እንተዀነ ግና፡ ኣብ ህይወትና ስጋዊ ነገራት ንመንፈሳዊ ነገራት ኪዕብልሎ ይጅምር ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልናኸ፧ ኣበየናይ መዳይ ምትዕርራያት ክንገብር ከም ዘሎና ምእንቲ ኸነስተውዕል፡ ነቲ ዜድልየና ምትዕርራያት ክንገብር ዜኽእለና ትብዓትን ብርታዐን ከኣ ምእንቲ ኽንረክብ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።
ነታ ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ ዘርእስታ ሰለስተ ኽፋል ዘለዋ ቪድዮ ብምዝካር፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ግሎርያ ዝያዳ ገንዘብ ምርካብ ዝነበራ ጸቕጢ፡ ኣብ ኣተሓሳስባኣን ኣዘራርባኣን ተግባራታን ጽልዋ ዘሕደረ ብኸመይ እዩ፧
-
ሰበይቲ ሎጥ መለበሚ እትዀነና ብኸመይ እያ፧
-
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ንጆን ንስድራ ቤቱን ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧
-
ኣና ኣብ ስራሓ ዝነበራ ምሕዝነት ንመንፈሳውነታ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧
-
ኣብ ህይወትና ንገንዘብ ቀዳምነት ክንህብ ጸቕጢ እንተ ኣጋጢሙና፡ ትብዓት ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
-
ብራያንን ግሎርያን ከም ብሓድሽ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ኪህቡ ዝጀመሩ ብኸመይ እዮም፧
-
ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ኣየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጐልሕ ከሎ ኣስተብሂልካ፧