ክርስትያናዊ ህይወት
ኣቱም መንእሰያት—‘ንሰናይ ግብሪ ቐናኣት’ ኩኑ
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ናብ ቲቶስ ዝለኣኻ ደብዳበ፡ ኣጕባዝ፡ እንተላይ ቲቶስ፡ “ብዅሉ ነገር ኣርኣያ ሰናይ ግብሪ” ምእንቲ ኪዀኑ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም ጽሒፉሎም እዩ። (ቲቶ 2:6, 7) ጸኒሑ ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ህዝቢ የሆዋ “ንሰናይ ግብሪ ዚቐንኡ” ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኪነጽሁ ኸም ዘለዎም ሓቢሩ እዩ። (ቲቶ 2:14) ሓደ ኻብቲ ሰናይ ግብሪ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምምሃርን እዩ። መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ንሓይልኻ ሓጋዚ ፈላሚ ወይ ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ንምግልጋል ክትጥቀመሉ ትኽእልዶ፧—ምሳ 20:29።
ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ብኸመይ ከም እትበጽሖ ዚሕግዘካ ኣብ ክውንነት እተመስረተ መደብ ኣውጽእ። (ሉቃ 14:28-30) ንኣብነት፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትካፈል ከለኻ ንርእስኻ ብገንዘብ ክትድግፍ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነቲ ሓደ ፈላሚ ኼማልኦ ዘለዎ ሰዓት ብኸመይ ኢኻ እተማልእ፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ጸሊ። (መዝ 37:5) ብዛዕባ መደብካ ምስ ወለድኻን ምስቶም ዕዉታት ፈለምትን ተመያየጠሉ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሸቶኻ ንምብጻሕ ስጕምትታት ውሰድ። የሆዋ ኸኣ ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል እትገብሮ ቕንኣት ዝመልኦ ጻዕርኻ ብርግጽ ኪባርኾ እዩ።
ነታ ንየሆዋ ዜኽብርዎ መንእሰያት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ገሊኦም ፈለምቲ ዀይኖም ምእንቲ ኼገልግሉ እንታይ ብድሆታት እዮም ሰጊሮም፧ ከምኡ ዝገበሩኸ ብኸመይ እዮም፧
-
ወለዲ፡ ደቆም ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ምእንቲ ኼገልግሉ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
-
ንስብከት መደብ ከተውጽእ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
-
ኣባላት ጉባኤ ንፈለምቲ ኼተባብዕዎምን ኪሕግዝዎምን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
-
እቶም ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ፡ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧