ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ተግሳጽ—መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ

ተግሳጽ—መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ

ተግሳጽ ኪብሃል ከሎ ንመምርሕን ንትምህርትን የመልክት፣ ንመቕጻዕትን ንመአረማታን እውን የጠቓልል እዩ። የሆዋ ዚግስጸና ብግቡእ መገዲ ምእንቲ ኸነምልኾ እዩ። (ሮሜ 12:1፣ እብ 12:10, 11) ሓድሓደ ግዜ ተግሳጽ ዜጕሂ እኳ እንተ ዀነ፡ ጽድቅን በረኸትን ግና የፍሪ እዩ። (ምሳ 10:7) እቶም ምኽሪ ዚህቡን እቶም ምኽሪ ዚቕበሉን እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

ተግሳጽ ዚህቡ። ሽማግለታትን ወለድን ካልኦትን ከም የሆዋ ብፍቕርን ብለውሃትን ተግሳጽ ኪህቡ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። (ኤር 46:28) ተሪር ተግሳጽ እውን እንተ ዀነ፡ ብግቡእን ብፍቕርን ኪውሃብ ኣለዎ።—ቲቶ 1:13

ተግሳጽ ዚቕበሉ። ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንዚውሃበና ተግሳጽ ኣብ ክንዲ እንነጽጎ፡ ብኡብኡ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። (ምሳ 3:11, 12) ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ እተፈላለየ ዓይነት ተግሳጽ የድልየና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘንበብናዮን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኻብ እተመሃርናዮን ተግሳጽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ ካብ ኮሚተ ፍርዲ ተግሳጽ ይውሃብ እዩ። ተግሳጽ ምስማዕ ናብ ህይወት ይመርሕ።—ምሳ 10:17

ነታ “የሆዋስ ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ” ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ህይወት ካኖን ብኸመይ ጀሚሩ፧ ብኸመይከ ተቐይሩ፧

  • ካብ የሆዋ እንታይ ዓይነት ፍቕራዊ ተግሳጽ እዩ ተቐቢሉ፧

  • ንተግሳጽ የሆዋ ፍተዎ

    ካብ ተመክሮኡ እንታይ ንምሃር፧