ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንኣልኮላዊ መስተ ብዚምልከት ጥበባዊ ውሳነ ግበር

ንኣልኮላዊ መስተ ብዚምልከት ጥበባዊ ውሳነ ግበር

ክርስትያናት ዘበሉ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ኸለዉ ርእሶም ኪገትኡ ኣለዎም። (ምሳ 23:20, 29-35፣ 1ቈረ 6:9, 10) ሓደ ክርስትያን መስተ ኪሰቲ እንተ ደልዩ፡ መጠኑ ኺሕሉ ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ውሉፉን ንኻልኦት መዐንቀፊ ኸይከውንን ኪጥንቀቕ ኣለዎ። (1ቈረ 10:23, 24፣ 1ጢሞ 5:23) ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብፍላይ ከኣ፡ ንመንእሰያት ኪሰትዩ ጸቕጢ ኽንገብረሎም የብልናን።

ነታ ቅድሚ ምስታይካ ሕሰብ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ክርስትያናት ዘበሉ ብዛዕባ መስተ ንዝወጸ ሕግታት ኪእዘዙ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧—ሮሜ 13:1-4

  • ካልኦት ኣልኮላዊ መስተ ኽንሰቲ ጸቕጢ ኺገብሩልና ኽንፈቕደሎም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧—ሮሜ 6:16

  • ኣልኮላዊ መስተ ብምስታይ ካብ ዚመጽእ ሓደጋታት ብኸመይ ክንርሕቕ ንኽእል፧