ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ድልው ኩን
ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ስለ ዘለና፡ ኣዝዩ ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ንፈልጥ ኢና። (2ጢሞ 3:1፣ ማቴ 24:8) ህዝቢ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ እዋን ሓደጋ እዋናውን ህይወት ዜድሕንን መምርሒ ይረኽቡ እዮም። ምድሓንና ዚምርኰስ፡ ኣብዚ ሕጂ ብተኣዛዝነት እንገብሮ ምድላው እዩ። እዚ ኸኣ መንፈሳውን ኣካላውን ምድላው የጠቓልል።—ሉቃ 16:10።
-
ብመንፈሳዊ መዳይ ተዳሎ፦ ጽቡቕ ልማድ ኣማዕብል። ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት ተሳተፍ። ንግዜኡ ኻብ ኣባላት ጉባኤኻ እኳ እንተ ተፈሊኻ፡ ኣይትሰንብድ። (ኢሳ 30:15) ከመይሲ፡ ካብ የሆዋን ካብ የሱስ ከቶ ኣይተፈለኻን።—od 175 ¶15-17
-
ብኣካላዊ መደይ ተዳሎ፦ ስድራ ቤታት ንእተወሰነ እዋን፡ ኣብ ሓደ መዕቈቢ ኺጸንሓ ስለ ዚኽእላ፡ ብዘይካ እታ ንህጹጽ እዋን እተድሊ ሳንጣ፡ እተወሰነ ምግብን ማይን መድሃኒትን ዜድልየን ካልእ ነገራትን ኬዳልዋ ኣለወን።—ምሳ 22:3፣ g17.5 4, 6
ነታ ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ብመንፈሳዊ መዳይ ድሉዋት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
-
ምስ ሽማግለታት ጽቡቕ ርክብ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
-
ንህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ዝሓዘ ሳንጣ ኸነዳሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
-
ኬጋጥም ብዛዕባ ዚኽእል ዓይነት ሓደጋ ዀነ ኣብ ኵሉ እቲ ዅነታት ምይይጥ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
-
-
ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ንሰባት ክንሕግዘሉ እንኽእል ሰለስተ መገዲ እንታይ እዩ፧
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ኣቐዲምካ ብዛዕባ ምድላው ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 እንታይ ትምህርቲ ኽረክብ እኽእል፧