ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ድልው ኩን

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ድልው ኩን

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ስለ ዘለና፡ ኣዝዩ ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ንፈልጥ ኢና። (2ጢሞ 3:1፣ ማቴ 24:8) ህዝቢ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ እዋን ሓደጋ እዋናውን ህይወት ዜድሕንን መምርሒ ይረኽቡ እዮም። ምድሓንና ዚምርኰስ፡ ኣብዚ ሕጂ ብተኣዛዝነት እንገብሮ ምድላው እዩ። እዚ ኸኣ መንፈሳውን ኣካላውን ምድላው የጠቓልል።—ሉቃ 16:10

  • ብመንፈሳዊ መዳይ ተዳሎ፦ ጽቡቕ ልማድ ኣማዕብል። ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት ተሳተፍ። ንግዜኡ ኻብ ኣባላት ጉባኤኻ እኳ እንተ ተፈሊኻ፡ ኣይትሰንብድ። (ኢሳ 30:15) ከመይሲ፡ ካብ የሆዋን ካብ የሱስ ከቶ ኣይተፈለኻን።—od 175 ¶15-17

  • ብኣካላዊ መደይ ተዳሎ፦ ስድራ ቤታት ንእተወሰነ እዋን፡ ኣብ ሓደ መዕቈቢ ኺጸንሓ ስለ ዚኽእላ፡ ብዘይካ እታ ንህጹጽ እዋን እተድሊ ሳንጣ፡ እተወሰነ ምግብን ማይን መድሃኒትን ዜድልየን ካልእ ነገራትን ኬዳልዋ ኣለወን።—ምሳ 22:3g17.5 4, 6

ነታ ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ብመንፈሳዊ መዳይ ድሉዋት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ምስ ሽማግለታት ጽቡቕ ርክብ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

    • ንህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ዝሓዘ ሳንጣ ኸነዳሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

    • ኬጋጥም ብዛዕባ ዚኽእል ዓይነት ሓደጋ ዀነ ኣብ ኵሉ እቲ ዅነታት ምይይጥ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ንሰባት ክንሕግዘሉ እንኽእል ሰለስተ መገዲ እንታይ እዩ፧

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ኣቐዲምካ ብዛዕባ ምድላው ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 እንታይ ትምህርቲ ኽረክብ እኽእል፧