ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንትምኒታትካ ተቘጻጸሮ

ንትምኒታትካ ተቘጻጸሮ

ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ንትምኒታትና ኽንቈጻጸሮ ቐጻሊ ቓልሲ የድልየና እዩ። ንትምኒታትና እንተ ዘይተቘጻጺርናዮ፡ ስምረት የሆዋ ኼስእነና ይኽእል እዩ። ንኣብነት ገሊኣቶም፡ ንምግቢ፡ ንኽዳውንቲ፡ ንመጽለሊ ዘለዎም ትምኒት ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንላዕሊ ኪኸውን ፈቒዶም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ንፍትወት ስጋኦም ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ብዚጋጮ መገዲ የርውዩ እዮም። (ሮሜ 1:26, 27) ካልኦት ከኣ፡ ኪፍተዉ ወይ ብኻልኦት ተቐባልነት ኪረኽቡ ዘለዎም ትምኒት፡ ብጸቕጢ መዛኑ ኸም ዚስነፉ ገይርዎም እዩ።—ዘጸ 23:2

ትምኒታትና ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ንኽእል፧ እቲ ዚበለጸ መገዲ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ብምትኳር እዩ። (ማቴ 4:4) ብዘይካዚ፡ ንትምኒታትና ምእንቲ ኽንቈጻጸሮ ንየሆዋ ኽንልምኖ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ንዓና ዝሓሸ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ግቡኡ ትምኒታትና ኸነዕግብ ከም እንኽእልን ይፈልጥ እዩ።—መዝ 145:16

ነታ ሽጋራ ብምትካኽ ዕምርኻ ኣይተሕጽር ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ስለምንታይ እዮም ገሊኦም ሰባት ሽጋራ ዜትክኹ፧

  • ሽጋራ ምትካኽ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧

  • ሽጋራን ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራን ምትካኽ ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—2ቈረ 7:1

  • ሽጋራ ምትካኽ ክትኣቢ ትኽእል ኢኻ።

    ሽጋራ ምትካኽ ክትኣቢ ወይ ሽጋራ ምትካኽ ክትሓድጎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧