ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

“ፍቕሪ . . . ብዓመጻ ኣይትሕጐስን”

“ፍቕሪ . . . ብዓመጻ ኣይትሕጐስን”

ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ኣብ ኵሉ ንጥፈታቶም ብፍቕሪ እዮም ዚምርሑ። ፍቕሪ፡ “ብዓመጻ ኣይትሕጐስን እያ።” (1ቈረ 13:4, 6) ስለዚ፡ ብዕልግናን ዓመጻን ዝመልኦ መዘናግዒታት ነርሕቕ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ዋላ እውን ነቶም ዝጐድኡና፡ ሕማቕ ነገራት ኬጋጥሞም ከሎ ኣይንሕጐስን ኢና።—ምሳ 17:5

ነታ ፍቕሪ እንታይ ምዃና ዘክር—ብዓመጻ ኣይትሕጐስን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ዮናታንን ሳኦልን ከም ዝሞቱ ምስ ፈለጠ ዳዊት እንታይ ተሰሚዕዎ፧

  • ዳዊት ብዛዕባ ሳኦልን ዮናታንን እንታይ ኢሉ ኣልቀሰ፧

  • ዳዊት ብሞት ሳኦል ዘይተሓጐሰ ስለምንታይ እዩ፧