ክርስትያናዊ ህይወት
“ፍቕሪ . . . ኵሉ ተስፋ ትገብር”
ጥቕሚ ርእሳ ዘይተቐድም ፍቕሪ ስለ ዘላትና፡ ንኣሕዋትና ጽቡቕ ኢና እንምነየሎም። (1ቈረ 13:4, 7) ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ እሞ፡ እንተ ተገሲጹ፡ ነቲ ተግሳጽ ተቐቢሉ መገዱ ኼዐሪ ተስፋ ንገብር ኢና። ነቶም ብእምነት ድኹማት ዝዀኑ፡ ትዕግስቲ ኸነርእዮምን ክንሕግዞም ንጽዕርን ኢና። (ሮሜ 15:1) ሓደ ሰብ ካብ ጉባኤ እንተ ርሒቑ፡ ሓደ መዓልቲ ኸም ዚምለስ ተስፋ ንገብር ኢና።—ሉቃ 15:17, 18።
ነታ ፍቕሪ እንታይ ምዃና ዘክር—ኵሉ ተስፋ ትገብር ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ኣብኔር ፈለማ ንመን እዩ እሙን ነይሩ፧ ደሓርከ፧
-
ዳዊት ንሕቶ ኣብኔር ብኸመይ ተቐቢልዎ፧ ዮኣብከ፧
-
ንኣሕዋትና ጽቡቖም ክንደሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧