ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

20-26 ሰነ

ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ብዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ የሆዋን ኣብ የሱስን እምነት ህነጽ

ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ብዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ የሆዋን ኣብ የሱስን እምነት ህነጽ

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ባህ ምእንቲ ኼብልዎ፡ ኣብኡ ድልዱል እምነት ኬማዕብሉ ኣለዎም። (እብ 11:6) ብመጽሓፍ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ጌርና ልቦም ክንትንኪ ንኽእል ኢና። እዛ ንመጽናዕቲ እትኸውን መጽሓፍ ኣገደስቲ ጥቕስታት፡ ንጹር መረድኢታት፡ ውጽኢታዊ ሕቶታት፡ ዜለዓዕል ቪድዮታት፡ ጽቡቕ ስእልታት ዝሓዘት እያ። ንተምሃሮና ክርስትያናዊ ባህሪ ኼማዕብሉን ምስ ኣምላኽ ድልዱል ርክብ ኪምስርቱን ብምሕጋዝ ሓዊ ብዚጻወር ናውቲ ንህነጽ።—1ቈረ 3:12-15

ገሊኦም ሰባት ብዓይኖም ክርእይዎ ምስ ዘይክእሉ ኣምላኽ ዕርክነት ምምስራት ዝብልዎ ሓሳብ ኪርድእዎ የጸግሞም እዩ። እምበኣር፡ ኣብቲ ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ እምነት ኬሕድሩ ኽንሕግዞም የድልየና እዩ።

ነታ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ጌርካ ኣብ የሆዋ እምነት ህነጽ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እታ ሓብቲ ንመጽናዕቲ ጽቡቕ ገይራ ኸም እተዳለወት ብኸመይ ንፈልጥ፧

  • እታ ሓብቲ ኢሳይያስ 41:10, 13 ንምብራህ፡ ንተምሃሪታ እተመርጸ ሓጋዚ ሕቶታት እተጠቕመት ብኸመይ እያ፧

  • እታ ቪድዮን እቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብታ ተማሃሪት እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧

ብዙሓት ሰባት ነቲ በጃ ኣይርድእዎን ወይ ብብሕቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ከም ዝዀነ ጌሮም ኣይርእይዎን እዮም። (ገላ 2:20) እምበኣር፡ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ እምነት ኬሕድሩ ኽንሕግዞም ኣሎና።

ነታ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ጌርካ ኣብ የሱስ እምነት ህነጽ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እቲ ሓውና ንመጽናዕቲ ጽቡቕ ገይሩ ኸም እተዳለወ ብኸመይ ንፈልጥ፧

  • እቲ ሓውና ኻብቲ “ዳህስስ” ክፋል ዚብል ተጠቒሙ ንተምሃራዩ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

  • ጸሎት ነቲ ተምሃራይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧