ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ናዕቢ እንተ ኣጋጢሙ፡ ድሉው ዲኻ፧

ናዕቢ እንተ ኣጋጢሙ፡ ድሉው ዲኻ፧

ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ፡ ናዕብን ግብረ ሽበራን ውግእን ከም ዚውስኽ ትጽቢት ንገብር ኢና። (ራእ 6:4) ኣብ መጻኢ ንዘጋጥመና ጸገማት ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧

  • ብመንፈሳዊ መዳይ ተዳሎ፦ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎካ እምነት ዜደልድል ስርዓታትን ጸብጻባትን መጽሓፍ ቅዱስ ገለልትነትካ ኽትሕሉ ኺሕግዘካ እዩ። (ምሳ 12:5jr 125-126 ¶23-24) ኣብ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ድልዱል ዕርክነት እትምስርተሉ እዋን ሕጂ እዩ።—1ጴጥ 4:7, 8

  • ብኣካላዊ መዳይ ተዳሎ፦ ምንቅስቓሳት ኣብ ዚድረተሉ እዋን ዚጠቕመካ ነገራት ብኣጋኡ ኣዳሉ። ብዘይካዚ፡ ቤትካ ሓዲግካ ኽትከይድ ዜገድድ ነገራት ዜጋጥም እንተ ዀይኑ እውን ተዳሎ። ኣብቲ ሒዝካዮ እትኸይድ ቦርሳ ዘሎ ነገራት ገምግም መከላኸሊ ናውትን ገንዘብን ምህላው እውን ኣረጋግጽ። ንሽማግለታት ብኸመይ ከም እትረኽቦምን ንሳቶም እውን ብኸመይ ከም ዚረኽቡኻን ርግጸኛ ኹን።—ኢሳ 32:2g17.5 3-7

ኣብ እዋን ናዕቢ መንፈሳዊ ልማዳትካ ዓቅብ። (ፊል 1:10) ካብ ቤትካ ኽትወጽእ እንተ ዘይተገዲድካ ንምንቅስቓሳትካ ኽትድርቶ ኣሎካ። (ማቴ 10:16) ምግብን ካልእ ነገራትን ንኻልኦት ኣማቕል።—ሮሜ 12:13

ነታ ንሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • የሆዋ ኣብ እዋን ሓደጋታት ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

  • እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ንምውሳድ ኢና ኽንዳሎ እንኽእል፧

  • ሓደጋታት ንዘጋጠሞም ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧