ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

“ፍቕሪ . . . ኣይትንፋሕን”

“ፍቕሪ . . . ኣይትንፋሕን”

ፍቕሪ፡ ትሑታት ክንከውን ትሕግዘና። (1ቈረ 13:4) ንኣሕዋትና ምስ እነፍቅሮም፡ ንርእስና ኻብኦም ኣብሊጽና ኣይንርእያን ኢና። የግዳስ፡ ኣብቲ ጽቡቕ ጐድኖም ከነተኵር ንጽዕር፡ ብኽእለትና ኸኣ ንሕግዞም ኢና። (ፊል 2:3, 4) ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኣዕዚዝና ነርኢ እንተ ዄንና፡ የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ዝያዳ ኺጥቀመልና ይኽእል እዩ።

ነታ ፍቕሪ እንታይ ምዃና ዘክር—ኣይትንፋሕን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣቤሴሎም እንታይ ውህበታት እዩ ነይርዎ፧

  • ንውህበቱ ብዘይግቡእ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧

  • ብትዕቢት ከይንንፋሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ገላ 5:26