ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንእዋናዊ ፍጻመታት ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ

ንእዋናዊ ፍጻመታት ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ

የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ እዋናዊ ፍጻመታት ይጥቀም ነይሩ እዩ። (ሉቃ 13:1-5) ሎሚ እውን ሰባት ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ተገዳስነት ምእንቲ ኺለዓዓል፡ እዋናዊ ፍጻመታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ምንሃር ዋጋ፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ናዕቢ፡ ወልፊ ሓሸሽ ወይ ተመሳሳሊ ነገራት ድሕሪ ምጥቃስ፡ እተመራምር ሕቶ ሕተት። ምናልባት፡ . . . መወዳእታ ዘለዎዶ ይመስለካ፧ ወይ ከኣ፡ . . . ፍታሕ ዘለዎዶ ይመስለካ፧ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ምስቲ ርእሰ ነገር ዚተሓሓዝ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣካፍል። እቲ ሰብ ተገዳስነት እንተ ኣልይዎ፡ ሓንቲ ቪድዮ ወይ ጽሕፍቲ ኻብ ናውቲ ትምህርቲ ኣፋልጥ። እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ልቢ ንምትንካይ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ምእንቲ እቲ ብስራት ኢልና ንግበሮ።—1ቈረ 9:22, 23

ኣብ ክልኻ ንዘለዉ ሰባት ዚስሕቦም ርእሰ ነገር ኣየናይ እዩ፧