ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ብድምጺ ንእተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ብድምጺ ንእተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም እዩ። እዚ ድማ፡ ብእተኻእለ መጠን በብቝሩብ ብሓያሎ ቛንቛታት ይወጽእ ኣሎ። ጠቓሚ ዝገበሮ ሓደ ምኽንያት፡ ንነፍሲ ወከፍ ገጸ ባህርይ ናይ እተፈላለዩ ሰባት ድምጺ እዩ ዚጥቀም። ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ንምምሕልላፍ፡ ነቲ ቓላት ብግቡእ ብምጕላሕን ብስምዒትን እዩ ዚንበብ።

ገሊኦም ካብቲ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀሙ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ ነቲ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲሮም ዚሰምዕዎ ብዙሓት ሰባት ንቓል ኣምላኽ ብኣእምሮኦም ኪስእልዎ ስለ ዚሕግዞም ይፈትውዎ እዮም። ንነፍሲ ወከፍ ገጸ ባህርይ ዚኸውን ኣንባቢ ስለ ዚምደብ፡ ንፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቖም ይስእልዎ፡ ብዛዕባ እቲ እተጻሕፈ ድማ ንጹር ምርዳእ ይህልዎም። (ምሳ 4:5) ሓያሎ ኻልኦት ድማ ነቲ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚሰምዕሉ እዋን ካብ ጭንቀት የህድኦም እዩ።—መዝ 94:19

ቃል ኣምላኽ ብዓውታ ኺንበብ ከሎ ምስማዕ፡ ኣብ ህይወት ሓያል ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። (2ዜና 34:19-21) ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ብእትርድኦ ቛንቛ ኺርከብ ዚከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነዚ ስሩዕ መንፈሳዊ ልማድካ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧

ነታ ፍርያት ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

ካብቲ ፍርያት ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰጠካ እንታይ እዩ፧