22-28 ግንቦት
2 ዜና መዋእል 25-27
መዝሙር 80ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“የሆዋ ኻብኡ ዚበዝሕ ኪህበካ ይኽእል እዩ”፦ (10 ደቒቕ)
መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)
2ዜና 26:4, 5—መንፈሳዊ ኣማኻሪ ጥቕሚ ምዃኑ ኻብ ኣብነት ዑዝያ እንታይ ንምሃር፧ (w07 15/12 10 ¶1-2)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ) 2ዜና 25:1-13 (th መጽናዕቲ 12)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ) ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ተጠቐመሉ። ነቲ ብዓል ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኸም እንመርሕ ግለጸሉ፣ ካርድ ኣድራሻ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሃቦ። (th መጽናዕቲ 2)
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ) ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ተጠቐመሉ። ነቲ ብዓል ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኸም እንመርሕ ግለጸሉን ካርድ ኣድራሻ jw.org ሃቦን። (th መጽናዕቲ 15)
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 10 መእተውን ነጥቢ 1-3ን (th መጽናዕቲ 3)
ክርስትያናዊ ህይወት
ንናይ ዘለኣለም ህይወት መስዋእቲ ምኽፋል ኣየጣዕስን (ማር 10:29, 30)፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕተቶም፦ እቲ የሱስ ኣብ ማርቆስ 10:29, 30 ዘተስፈዎ ተስፋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚድርኸና፧ የሱስ ኣብ ፈለማ፡ ኣሕዋቱ ብእኡ ብዘይምእማኖም እንታይ ተሰሚዕዎ፧ ብዛዕባ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ስድራ ቤትና እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 46
መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ)
መዝሙር 51ን ጸሎትን