ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ዝርርብ ብምጅማር ተሓጐስ

ዝርርብ ብምጅማር ተሓጐስ

ብዘይወግዓዊ መገዲ ምስክርነት ምሃብ፡ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዜሐጕስን ውጽኢታዊ መገድን እዩ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ብኸመይ ከም እነካፍል ጥራይ ንሓስብ እንተ ደኣ ኴንና፡ ዝርርብ ንምጅማር የፍርሃና ይኸውን። ምስክርነት ንምሃብ እንታይ ከም እትብል ኣመና ኣብ ክንዲ እተጭነቕ፡ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣብ ምርኣይ ኣተኵር። (ማቴ 22:39፣ ፊል 2:4) ኣብ እዋን ዝርርብ ብዛዕባ እምነትካ ኽትገልጽ ኣጋጣሚ እንተ ረኺብካ፡ ኪሕግዘካ ዚኽእል ብዙሕ ናውቲ ኣሎ።

እዚ ዚስዕብ ናውቲ፡ ኣብ እዋን ዝርርብ ምስክርነት ንምሃብ ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ነታ ‘ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ’—ዝርርብ ምጅማር፡ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

ናይ ምዝራብ ክእለትና ንምምሕያሽ፡ እንታይ ሰለስተ ስጕምቲ ኺሕግዘና ይኽእል፧