ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ኣተዓባብያኻ ሕማቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኸተገልግሎ ትኽእል ኢኻ
ኣቦ ህዝቅያስ፡ ንጉስ ኣሓዝ ዜፈንፍን ነገራት ገይሩ (2ዜና 28:1፣ w16.02 14 ¶8)
ህዝቅያስ ኣቦኡ ሕማቕ ኣብነት እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና ንየሆዋ ኼገልግል መሪጹ (2ዜና 29:1-3፣ w16.02 15 ¶9-11)
ህዝቅያስ ንኻልኦት ጥልመት ኣቦታቶም ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ከይዓግቶም ኣተባቢዕዎም (2ዜና 29:4-6)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ንየሆዋ ዘየገልግሉ ወለዲ ንዘለዉዎም መንእሰያት ምንጪ ምትብባዕ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’