ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንቝጠባዊ ቕልውላው ተዳሊኻ ዲኻ፧

ንቝጠባዊ ቕልውላው ተዳሊኻ ዲኻ፧

ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ ዘይምርግጋእ ኪፈጥር ከሎ ኣይንስምብድን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ መወዳእታ ዳሕሮት መዓልትታት ኢና ንነብር ዘለና። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “ዘየተኣማምን ሃብቲ” ተስፋ ኸይንገብር የተባብዓና እዩ። (1ጢሞ 6:17፣ 2ጢሞ 3:1) ንቝጠባዊ ቕልውላው ድሉው ብዛዕባ ምዃን፡ ካብ ኣብነት ንጉስ ዮሳፋጥ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ዮሳፋጥ ካብቶም ጸላእቱ ዚዀኑ ኣህዛብ ምፍርራህ ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣብ የሆዋ ተወኪሉ እዩ። (2ዜና 20:9-12) ብዘይካዚ፡ ንሃገሩ ንምክልኻል እተዓርደ ኸተማታትን ወተሃደራዊ ሰፈራትን ብምድላው ግብራዊ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። (2ዜና 17:1, 2, 12, 13) ንሕና እውን ልክዕ ከም ዮሳፋጥ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ግብራዊ ስጕምቲ ኽንወስድን ኣሎና።

ነታ ንሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ንሓደጋ ንምድላው ብውልቅና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

  • ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧