ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

27 ግንቦት–2 ሰነ

መዝሙር 42–44

27 ግንቦት–2 ሰነ

መዝሙር 86ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ካብ መለኮታዊ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም

(10 ደቒቕ)

ነቲ ምስ ካልኦት ኰይንካ ንየሆዋ ናይ ምምላኽ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ፣ ዚከኣል እንተ ኰይኑ ብኣካል ክትእከብ ይምረጽ (መዝ 42:4, 5w06 1/6 9 ¶5)

ቃል ኣምላኽ ቅድሚ ምጽናዕካ ጸሊ (መዝ 42:8w12 15/1 15 ¶2)

ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ መዳይ ህይወትካ ኺመርሖ ፍቐደሉ (መዝ 43:3)

መለኮታዊ ትምህርቲ፡ ፈተናታት ክንጻወር የበርትዓና፣ ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ድማ ይሕግዘና።—1ጴጥ 5:10w16.09 5 ¶11-12

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 44:19—“ሰፈር ወኻሩ” ዚብላ ቓላት ንምንታይ የመልክታ፧ (it-1 1242)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(5 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ኣብ ዚቕጽል ናብ ዚቐርብ ህዝባዊ መደረ ዓድሞ። ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣፋልጥ። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 5)

6. መደረ

(3 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 4—ፍረ ነገር፦ ኵሉ ሰብ ፍጹም ጥዕና ኺህልዎ እዩ። (th መጽናዕቲ 2)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 21

7. ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ጥበባዊ ውሳነ ግበር

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣቱም መንእሰያት፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩም እንታይ ክትገብሩ መዲብኩም፧ ፈለምቲ ኽትኰኑ ዜኽእለኩም ስራሕ ክትሰርሑ ሓሲብኩም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ድማ ስራሕ ክትረኽቡ ዜኽእለኩም ተወሳኺ ናይ ሞያ ስልጠና ኽትወስዱ፡ ወረቐት ምስክር ወይ ዲፕሎማ ኺህልወኩም ሓሲብኩም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ግዜ ንእስነት ባህ ዜብል እዋን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ብምርጫታትኩም ወይ ብጸቕጢ ኻልኦት ብዝገበርኩምዎ ውሳነ ትጕህዩ ትዀኑ። እሞ ደኣ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብሩ እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧

ማቴዎስ 6:32, 33 ኣንብብ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ኣገዳሲ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ ንጹር መንፈሳዊ ሸቶታት ከተውጽእ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ወለዲ፡ ደቆም ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:32, 33 ዘሎ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧—መዝ 78:4-7

ባህጊ ሃብትን ዝናን ንውሳነኻ ኸይጸልዎ ተጠንቀቕ። (1ዮሃ 2:15, 17) ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ንዘለዎ ሰብ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕባል ኪኸብዶ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። (ሉቃ 18:24-27) ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምስዓብ፡ ምስ መንፈሳዊ ዕቤትን ኣሳልጦን ኣይቃዶን።—ማቴ 6:24፣ ማር 8:36

ነታ ኣብ ዚፈሽል ከይትውከል ተጠንቀቕ!—ሃብቲ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  •   ምሳሌ 23:4, 5 ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር እትሕግዘካ ብኸመይ እያ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 10 ¶5-12

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 47ን ጸሎትን