6-12 ግንቦት
መዝሙር 36–37
መዝሙር 87ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. “ብእኩያት ኣይትሕረቕ”
(10 ደቒቕ)
እኩያት ሰባት ስቓይን ጭንቀትን የውርዱልና (መዝ 36:1-4፣ w17.04 10 ¶4)
“ብእኩያት” ቅሬታ ምሓዝ ጐዳኢ እዩ (መዝ 37:1, 7, 8፣ w22.06 10 ¶10)
ኣብ ተስፋታት የሆዋ ምስ እንእመን ሰላም ንረክብ (መዝ 37:10, 11፣ w03 1/12 14 ¶20)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ ዜና ንዚቐርብ እኩይ ተግባራት ብዙሕ ኣቓልቦ እገብረሉ ድየ፧’
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
-
መዝ 36:6—እቲ ዘማሪ፡ ጽድቂ የሆዋ፡ “ግርማ ኸም ዘለዎ ኣኽራን” [ወይ “ከም ኣኽራን ኣምላኽ” እ.ጽ.] ምዃኑ ኺዛረብ ከሎ፡ እንታይ ማለቱ ኪኸውን ይኽእል፧ (it-2 445)
-
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) መዝ 37:1-26 (th መጽናዕቲ 10)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ንሓደ ቕድሚ ሕጂ ግዱስ ዘይነበረ ሰብ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ዓድሞ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 4)
6. መደረ
(5 ደቒቕ) ijwbv 45-E—ፍረ ነገር፦ ትርጉም መዝሙር 37:4 እንታይ እዩ፧ (th መጽናዕቲ 13)
መዝሙር 33
7. “ንግዜ ጭንቂ” ተዳሊኻ ዲኻ፧
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምኽንያት ባህርያውን ሰብ ዚሰርሖን ሓደጋ፡ ሰቦምን ጥሪቶምን ይስእኑ እዮም። (መዝ 9:9, 10) እቲ ዜሕዝን ድማ፡ “ግዜ ጭንቂ” ኣብ ዝዀነ እዋን ኬጋጥም ይኽእል እዩ፣ ስለዚ፡ ንኸምዚ ዓይነት ፈተና ኽንዳሎ የድልየና እዩ።
ብኣካላዊ መዳይ ምድላው a ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደጋ ምስ ዜጋጥም ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ እንታይ ካልእ ነገራት ኪሕግዘና ይኽእል፧
-
ብኣእምሮኻ ተዳሎ፦ ሓደጋ ኸም ዜጋጥም ፍሉጥ እዩ፡ እንተ ኣጋጢሙ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሕሰብ። ኣብ ስጋዊ ጥሪትካ እምብዛ ኣይተተኵር። ከምኡ ምግባርካ፡ ጥበባዊ ስጕምቲ ኽትወስድ፡ ኣብ ክንዲ ስጋዊ ጥሪትካ ህይወትካን ህይወት ካልኦትን ከተድሕን ኪሕግዘካ እዩ። (ዘፍ 19:16፣ መዝ 36:9) ብዘይካዚ፡ ሓደጋ ድሕሪ ምግጣሙ፡ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ትጽቢት ኪህልወካን ስጋዊ ጥሪትካ ብምጥፋኡ ንዚመጽእ ጓሂ ኽትንክን ኪሕግዘካ እዩ።—መዝ 37:19
-
ብመንፈሳዊ መዳይ ተዳሎ፦ የሆዋ ኺከናኸነካ ኽእለትን ድሌትን ከም ዘለዎ፡ ንዘሎካ ምትእምማን ኣደልድሎ። (መዝ 37:18) ሓደጋ ቕድሚ ምግጣሙ፡ ዋላ እውን ‘ንህይወትና ኸም ምርኮ’ ጥራይ ከነድሕና እንተ ኸኣልና፡ የሆዋ ንዓና ንኣገልገልቱ፡ ከም ዚመርሓናን ከም ዚድግፈናን ንገዛእ ርእስኻ ብቐጻሊ ኣዘኻኽራ።—ኤር 45:5፣ መዝ 37:23, 24
የሆዋ ተስፋታቱ ኸም ዚፍጽም ንተኣማመን እንተ ዄንና፡ ‘ብግዜ ጭንቂ ዕርድና’ ኽንገብሮ ኢና።—መዝ 37:39።
ነታ ንሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦
-
የሆዋ ኣብ ግዜ ጭንቂ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
-
ንሓደጋ ምእንቲ ኽንዳሎ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧
-
ነቶም ብሓደጋ እተጐድኡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 9 ¶8-16