ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ግንቦት 2018
ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት
ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብን ምድርን ዚገልጽ ተኸታታሊ ዝርርባት።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ጕንዲ ስቅያትካ ኣልዒልካ፡ ብቐጻሊ ስዓበኒ
ክርስትያናት ንጸሎት፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣገልግሎት ከምኡ እውን ኣብ ኣኼባ ንምእካብ ብስሩዕ ኪገብርዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
ክርስትያናዊ ህይወት
ደቅኻ ንክርስቶስ ኪስዕብዎ ኣዳልዎም
ወለዲ፡ ደቆም ንየሱስ ኪስዕብዎ፡ ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ኸምኡ እውን ኪጥመቑ ንምድላው እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
እምነት ዜደልድል ራእይ
እቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ ንሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ጦብላሕታ እዩ ኣሕዲሩሉ፧ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣባና እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል፧
ክርስትያናዊ ህይወት
“ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ . . .”
ክርስትያን ሰብ ሓዳር ንቓል ኪዳኖም ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ሰብኡትን ኣንስትን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ጸገማቶም ኪፈትሑ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ካብ ናይ ኵሎም ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ
ካብ ጸብጻብ እቲ እታ መበለት ዘውደቐተን ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም እንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል፧
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ብፍርሂ ሰብ ከይትፍንጠር ተጠንቀቕ
ሃዋርያት ብፍርሂ ሰብ እተሰነፉ ስለምንታይ እዮም፧ ድሕሪ ትንሳኤ የሱስ፡ እዞም እተነስሑ ሃዋርያት ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ ፍርሂ ሰብ ኣሰኒፎም ኪሰብኩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧
ክርስትያናዊ ህይወት
የሆዋ ኼትብዓካ እዩ
ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንካ ምዝራብ ኣፍሪሁካዶ ይፈልጥ፧ ዜፍረሃካ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ የሆዋ ንምምስካር ‘ክትተብዕ’ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧