ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

21-27 ግንቦት

ማርቆስ 11-12

21-27 ግንቦት
  • መዝሙር 34ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • ካብ ናይ ኵሎም ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ”፦ (10 ደቒቕ)

    • ማር 12:41, 42—የሱስ፡ ሓንቲ መበለት ኣብ ቤተ መቕደስ ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም ከተውድቕ ከላ ረኣያ (nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ)

    • ማር 12:43—የሱስ ንህያብ እታ መበለት ኣማሰወሉ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዛዕባኡ ኣጕልሓሎም (w97 15/10 16-17 ¶16-17)

    • ማር 12:44—እታ መበለት ዝገበረቶ ውጽኢት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ዓብዪ ዋጋ ነበሮ (w97 15/10 17 ¶17፣ w87-E 1/12 30 ¶1cl 185 ¶15)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ማር 11:17—የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ፡ ‘ንዅሎም ኣህዛብ እትኸውን ቤት ጸሎት’ ኢሉ ዝጸውዓ ስለምንታይ እዩ፧ (nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ)

    • ማር 11:27, 28—ተጻረርቲ የሱስ “እዚ ትገብር” ኪብሉ ኸለዉ ብዛዕባ እንታይ እዮም ዚጠቕሱ ነይሮም፧ (jy 244 ¶7)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ማር 12:13-27

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። እቲ ብዓል ቤት ኣብ ክልኹም ልሙድ ዝዀነ ተቓውሞ የልዕል።

  • ቀዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። እቲ ብዓል ቤት፡ ዘመዱ ኸም ዝሞቶ ይነግረካ።

  • ቪድዮ ኻልኣይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ) ነታ ቪድዮ ወልዓያን ተመያየጡላን።

ክርስትያናዊ ህይወት