ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስኻኸ ኣብ መገዲ ጥምቀት ዲኻ ዘለኻ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ንየሆዋ ኸተገልግል ምረጽ

ንየሆዋ ኸተገልግል ምረጽ

ክርስትያን መንእሰይ ወይ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ክትጥመቕ ሸቶ ኣሎካዶ፧ ክትጥመቕ ዜድልየካ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ወፈያን ጥምቀትን ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ንምምስራት መገዲ ዚኸፍት እዩ። (መዝ 91:1) ናብ ድሕነት እውን ዚመርሕ እዩ። (1ጴጥ 3:21) ናብዚ ደረጃ እዚ ኽትዓቢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንሓቂ እመነሉ። ኣብ ኣእምሮኻ ሕቶታት እንተ መጺኡካ ምርምር ግበር። (ሮሜ 12:2) ክትገብሮ ዜድልየካ ለውጢ ኸም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ንየሆዋ ንምሕጓስ ኢልካ ዜድሊ ለውጢ ግበር። (መዝ 27:11፣ ኤፌ 4:23, 24) የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ወትሩ ጸሊ። ንሱ በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኸም ዜበርትዓካን ከም ዚድግፈካን ተኣማመን። (1ጴጥ 5:10, 11) እቲ እትገብሮ ጻዕሪ ጻማ ኣለዎ። ንየሆዋ ምግልጋል፡ ዝበለጸ መገዲ ህይወት እዩ።—መዝ 16:11

ነታ መገዲ ጥምቀት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ገሊኦም ኪጥመቑ እንታይ ዕንቅፋታት እዮም ሰጊሮም፧

  • ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ዜድልየካ እምነት ብኸመይ ከተማዕብል ትኽእል፧

  • ንገሊኦም ንጥምቀት ዜድሊ ስጕምትታት ኪወስዱ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧

  • እቶም ንየሆዋ ንምግልጋል ዚመርጹ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

  • ወፈያን ጥምቀትን እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧