ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንሓዳርካ ሓልዎ

ንሓዳርካ ሓልዎ

የሆዋ ንሓዳር ኣርዚኑ እዩ ዚርእዮ። ሰብኣይን ሰበይትን ኪጣበቑ ኸም ዘለዎም እዩ ተዛሪቡ። (ማቴ 19:5, 6) ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብነት ዝዀኑ ሓያሎ ሰብ ሓዳር ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ፍጹም ዝዀነ ሓዳር የለን። ጸገማት የጋጥም እዩ። ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ምፍልላይን ፍትሕን ከም ቅቡል ፍታሕ ጌርካ ንዚርአ ልሙድ ኣረኣእያ ኽንቅበሎ የብልናን። ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ንሓዳሮም ኪሕልውዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ነዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ ኣገዳሲ ስጕምታት ሕሰበሉ፦

  1. ከም ምኵሻምን ርኹስ መዘናግዕን ዝኣመሰለ ንሓዳር ኬዳኽም ካብ ዚኽእል ነገራት ብምርሓቕ ንልብኻ ሓልዎ።—ማቴ 5:28፣ 2ጴጥ 2:14

  2. ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ኣደልድሎ፡ ብሓዳርካ ኸተሐጕሶ ንዘሎካ ባህጊ ኸኣ ኣጐሃህሮ።—መዝ 97:10

  3. ወትሩ ሓድሽ ሰብእና ልበስ፡ ንመጻምድትኻ ዜሐጕሶ ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ ግበር።—ቈሎ 3:8-10, 12-14

  4. ብኣኽብሮትን ትርጉም ብዘለዎ መገድን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጥ።—ቈሎ 4:6

  5. ንመጻምድትኻ ብለውሃትን ብፍቕርን ዚግብኦ ግበረሉ።—1ቈረ 7:3, 4፣ 10:24

ክርስትያናት ንሓዳርም ኬኽብሩ ኸለዉ፡ ነቲ መስራቲ ሓዳር ዝዀነ የሆዋ እዮም ዜኽብርዎ።

ነታ “ብተጻዋርነት ጕየ”—ስርዓት እቲ ውድድር ሓሉ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሓዳር ብጽቡቕ እኳ እንተ ጀመረ፡ እንታይ ጸገማት እዩ ኼጋጥም ዚኽእል፧

  • ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ ሓዳር ከም ዘለዉ ዚስምዖም መጻምድቲ ዚጠቕሞም ብኸመይ እዩ፧

  • ሓዳርካ ዜሐጕስ ምእንቲ ኪኸውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓሉ

    የሆዋ ንሓዳር ዚኸውን እንታይ ስርዓታት እዩ ሂቡ፧

  • ሓዳር ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን፡ ክልቲኦም መጻምድቲ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧