ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ሳላ ኣምላኽን ክርስቶስን ኣብ መጻኢ ዚርከብ ሓርነት

ሳላ ኣምላኽን ክርስቶስን ኣብ መጻኢ ዚርከብ ሓርነት

ኣብ መመዓልቲ ምስ ምንታይ ኢኻ እትቃለስ፧ ብዙሕ ሓላፍነታት ዘሎካ ርእሲ ስድራ ቤት ዲኻ፧ በይንኻ ስድራ ቤትካ እትናቢ ወላዲ ዲኻ፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ መዛኑኻ ዚድንድኑኻ መንእሰይ ዲኻ፧ ናይ ጥዕና ጸገም ዘሎካ ወይ ምስ እርጋን እትቓለስ ዘለኻ ኣረጋዊ ዲኻ፧ ኵሉ ሰብ ነናቱ ጸገማት ኣለዎ። ሓያሎ ክርስትያናት ብሓንሳእ ተደራራቢ ጸገማት የሕልፉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ካብዚ ዅሉ ፈተናታት ሓራ ኸም እንወጽእ ንፈልጥ ኢና።—2ቈረ 4:16-18

ክሳዕ ሽዑ ግና፡ የሆዋ ንቓልስታትና ኸም ዚርድኣልና፡ ንተኣማንነትናን ንተጻዋርነትናን ከም ዜማስወሉ፡ ዓብዪ በረኸት ከኣ ኣተስፍዩና ኸም ዘሎ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። (ኤር 29:11, 12) የሱስ እውን ብኣና ይግደስ እዩ። ክርስትያናዊ ሓላፍነትና ኽንፍጽም ከለና፡ የሱስ ‘ኣነ ምሳኻትኩም’ እየ ብምባል ከም ዚሕግዘና መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (ማቴ 28:20) ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንረኽቦ ሓርነት ምስ እነስተንትን፡ ነቲ ሕጂ ዜጋጥመና ዘሎ ፈተናታት ክንጻወር ንዘሎና ቘራጽነትን ንተስፋናን የደልድሎ እዩ።—ሮሜ 8:19-21

ነታ እቲ ህቦብላ ኪቐርብ ከሎ ኻብቲ ኣብ የሱስ ዘሎካ ኣትኵሮ ኣይተስግል—ኣብ መጻኢ ዚህሉ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ እንታይ ኣስዒቡ፧

  • ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ሰባት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

  • እዚ ዜደንቕ መጻኢ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧

  • ገለ ኻብቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኪፍጸም ብሃረርታ እትጽበዮ በረኸት እንታይ እዩ፧

ንርእስኻ ኣብ ሓዳስ ዓለም ከም ዘላ ጌርካ ርኣያ